ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ ኮንግረስ ድሮን ዕድምቲ ኮይና ትሳተፍ ኣላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጉንበት፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና ሸንዠን እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ 5ይ ዓለም ለኸ ኮንግረስ ሰብ ኣልቦ ኣውሮፕላን (ድሮን) 2021 ዕድምቲ ኮይና ትሳተፍ ኣላ።

እቲ 5ይ ዓለም ለኸ ኮንግረስ ድሮን፥ ኢትዮጵያ፣ ስዊዘርላንድን ፓኪስታንን ናይዚ ዓመት ናይ ክብሪ ዕዱማት ሃገራት ኢየን።

ኣብ ቆንስላ ጀነራል ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ጓንዡ ቻይና ኣምባሰደር እውነቱ ብላታ፥ ሰብ ኣልቦ ኣውሮፕላንን ሰብ ስራሕ ኣስተውሎ ቴክኖሎጂን ኣብ ኢትዮጵያ ዘፈር ሕርሻ ንምዝማን ዓቢዪ ዓቕሚ እናፈጠረ ከምዝርከብ ኢሎም።

እቲ ቴክኖሎጂ ኣብ ዘፈራት ኣቪየሽን፣ ጥዕና፣ ሓለዋ ከባቢ፣ ሕርሻ፣ ሓምለዋይ ልምዓት፣ ምሕደራ መሬትን መዓድንን ዝፃወቶ ግደ ዕዙዝ ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ኣምባሳደር፥ ኣብ ሞንጎ ትካላት ኢትዮጵያን ቻይናን ከም ድልድል ኮይኑ ከምዝሰርሕ ኣረጋጊፆም።

ሚኒስትር ዲኤታ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዶክተር ኣሕመዲን መሓመድ፥ ኣብ ሪፎርም ሃግር በቆል ኢኮኖሚ ሓደ ዛዕባ ኮይኑ ዝተኻተተ ህንፀት ዲጂታል ኢኮኖሚ ጋህዲ ንምግባር ድሮን ዓቢዪ ብጥኺት ከምዘለዎ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ እቲ ዓውዲ ንምዕባይን ህንፀት ዲጂታል ኢኮኖሚ ንምቅልጣፍን ሕጉ ድሮን ከምዘውፀፅአትን ጀመርቲ ትካላት ቴክኖሎጂ ኣብ ዘፈር ቴክኖሎጂ ሰብ ኣልቦ ኣውሮምላን ንኽዋፈሩ ዘኽእል ኩነታት እናተፈጠረ ከምዝኾነን ኣብሆም።

ኣብቲ ኮንግረስ ካብ ልዕሊ 100 ሃገራት ዝተውፃእፅኡ ሰብ ሞያ ኢንዱስትሪን ቴክኖሎጂን፣ መራሕቲ ትካላትን ሙሁራትን እናተሳተፉ ከምዝርከቡ ካብ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment