ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ ኤክስፖ ኢምፖርት ቻይና ትሳተፍ ኣላ።
ጎድና ጎድኒ እቲ ኤክስፖ መራሕቲ ሃገራት ኣብ ንግዲን ኢንቨስትመንት ዓለም እናዘተዩ ይርከቡ።
ሎሚ መዓልቲ ኣብ ሻንጋይ ዝተኸፈተን 77 ሃገራትን ዓለም ለኸ ትካላትን ዝሳተፉሉ ኤክስፖ ኣምፃእቲን ለኣኽቲን ኢትዮጵያ ፍርያቶም እናፋለጡ ይርከቡ።
ንሻውዓይ እዋን እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ኤክስፖ ካብ መላእ ዓለም ዝተውፃእፅኡ 3 ሺሕን 500 ኩባንያታት እናተሳተፉ እንትኾኑ÷ ካብ ሞንጎ እዚኣቶም 30 ዝኾኑ ካብ ኢትዮጵያ ዝተውፃእፅኡ ኢዮም።
እቲ ኤክስፖ ካብ ንግዲን ኢንቨስትመንትን ሓሊፉ ርክብ ባህሊን ህዝቢ ምስ ህዝቢን ንኽጠናኸር፣ ሽርክና ቢዝነስን ንምጥንኻርን ቱሪዝም ንምፍላጥን ዕድላት ምፍጣር ዕላማ ብምግባር ዝሰናዳእ ኢዩ ተባሂሉ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ቻይና ሊ ኪያንግ ሰላም ዓለም ንምርግጋፅ ሓበራዊ ሰላምን ልምዓትን ምርግጋፅ ይግባእ ኢሎም።
ብኣፈወርቅ እያዩ