ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ ሴሚናር ኣብ ዕዉትነት ሸቶታት ዘላቒ ልምዓት ዘለዋ ተመክሮ ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና ኣብ ዝተሳለጠ ዓለም ለኸ ሴሚናር ኣብ ዕዉትነት ሸቶታት ዘላቒ ልምዓት ዘለዋ ተመክሮ ኣካፊላ።

ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ሚኒስትር ዋና ተፀዋዒ መንግስቲ ተስፋዬ ቤልጅጌ (ዶ/ር)፥ ኣብ ቻይና ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ዝካየዱ ዘለዉ ስራሕቲ ልምዓት እታ ሃገር ዓለም ለኸ ኢኮኖሚ ቻይና ምህናፅ ምኽኣላ ኣብነታት ኢዮም ኢሎም።

ኢትዮጵያ እውን ካብ ቻይና ልምዲ ብምውሳድ ሐዚ ዝጀመረቶ ዝነኣድ ጉዕዞ ለውጢ ብምቅልጣፍ ህዝባ ናብ ምዕባለ ምስግጋር ከምእትኽእል እወንታዊ ኣብነት ከምዝኾነ ኣፅንኦት ብምሃብ ተዛሪቦም።

ነዚ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየዱ ዘለዉ ልምዓት ኮሪደር ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከተማታትን፣ ናይ ገፀርን ከተማን ግብርና፣ ከባቢታት ቱሪዝምን ፕሮጀክትታት ወሰን ሩባን ሓቢሮም።

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment