ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ ምዕቃብ ሰላም ንዘለዋ ተሳትፎ ፈረንሳይ ንኢዳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብዋና ዳይሬክተር ወተሃደራዊን ድሕንነትን ፈረንሳይ ሌ/ጄ ኮል ኮምቤት ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ማእኸል ዓቃቢ ሰላም ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ዓለም ለኸ ትካል መሰልጠኒ ዓቃቢ ሰላምን ዑደት ኣሳሊጡ።

ኢትዮጵያ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት(ውመሕ) ተሳትፎ ምዕቃብ ሰላም ዘበርከተቶ ርኡይ ተሳትፎን ግደን ከምኡውን ኣብቲ መሰልጠኒ ትካል ዝካየዱ ዘለዉ ስራሕቲ ትምህርቲን ስልጠናን ብኣመራርሓ እቲ ትካል መብርሂ ተዋሂቡ።

ሌ/ጄ ኮል ኮምቤት፥ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ ምዕቃብ ሰላም ንዘለዋ ተሳትፎ  ንኢዶም።

ፈረንሳይ ኣብቲ ትካል ንዝካየዱ ዘለዉ ስራሕቲ ህንፀት ዓቕሚ ኣድላዪ ደገፍ ከምእትገብር ምዝራቦም ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ምክልኻል ሃገር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

Comments (0)
Add Comment