ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ መድረኽ ብሪክስ ዓለም ለኻዊ ምሕዝነታ ክተመስክር ከምዝኸኣለት ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሩሲያ ቪላዲቮስቶክ ዝተኻየደ ዓለም ለኸ ፎረም ኣባል ሃገራት ፓርቲታት ፖለቲካ ብሪክስ ብዓወት ተዛዚሙ፡፡

ተሳተፍቲ እቲ ጉባኤ÷ ኣብ መዛዘሚ እቲ ጉባኤ 24 ነጥቢታ ዝሓዘ መግለፂ ቅዋም ብምውፃእ ንዕዉትነቱ ከምዝሰርሑ ቃል ኣቲዮም።

ኢትዮጵያ ኣብቲ መድረኽ ዕዙዝ ዓወት ዲፕሎማሲ ከምዘመዝገበት ሓላፊ ርክብ ህዝቢን ዓለም ለኸ ርክብን ፓርቲ ብልፅግና ኣዲሱ ኣረጋ ገሊፆም።

“ዓለም ለኻዊ ብዝሃነት፣ ንስርዓት ብዝሃ ዋልታ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ካብ 9 ከሳብ 12 ሰነ 2016 ዓ.ም ኣብ ዝተኻየደ ፎረም÷ ውሑዳት ጥራሕ ዝውሱኑላ ዓለም፣ ብኣባልን መሓዙትን ሃገራት ብሪክስ ንዝርከብ መብዛሕትኡ ህዝቢ ዓለም ተሳትፎ ፖለቲካ፣ ክፍፍል ሃፍቲ፣ ተረባሕነት ኢኮኖሚ ፍትሓዊ ክኸውን ከምዘለዎ ልዑል ጠመተ ብመሃብ ተዘቲዩሉ።

ኢትዮጵያ ብፓርቲ ብልፅግና ኣቢላ ጥንኩር ናይ ሓድነት ቅዋማ ከምዘፍለጠት እውን ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ዓለም ለኻዊ ተግባራት ሓድነት ካብ ሊግ ኦፍ ኔሽን ክሳብ ናይ ሕዚ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ብመሪሕ ግደ ተሳትፎ ከምትፍለጥ፤ ካብ ምጥያሽ ትካል ሓድነት ኣፍሪካ ክሳብ ደረጃ ዕቤት ሕብረት ኣፍሪካ ዕዙዝ ኣስተዋፅኦ ከምዘለዋ ኣብ ወርቃዊ መዝገብ ታሪኽ ከምዝተፅሓፈ ኣዘኻኺሮም።

ኢትዮጵያ ኣባል ሃገራትን መሓዙትን ብሪክስ ንዝወከሉሉ ንመብዛሕትኡ ህዝቢ ዓለም ኩለመዳይ ረብሓ ንምኽባር ኣብ ዝግበር ሓበራዊ ቃልሲ ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ን ብፓርቲ ልፅግናን ዝተጀመረ ዕዉት ተግባር ከምዘርአየት ገሊፆም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment