ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ መድረኽ ምትእኽኻብ ሃፍቲ ንትምህርቲ ተሳቲፋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ብብርኪ ዓለም ኣብ ዝተፀወዐ መድረኽ ምትእኽኻብ ሃፍቲ ንትምህርቲ ተሳቲፋ።

ኣብቲ መድረኽ ዝተሳተፉ ሚኒስትር ትምህርቲ ብርሃኑ ነጋ፥ ሐልሚ 222 ሚሊየን ህፃናት ዕላዊ ንክኸውን ንሓግዝ ክብሉ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

“ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ብምዃን ትምህርቲ ምምራሕ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ዝተሳለጠ እቲ መድረኽ፥ ተመክሮ ኢትዮጵያ ንማሕበረሰብ ዓለም ቀሪቡ።

ኢትዮጵያ ብለበዳ ቫይረስ ኮረና፣ ድርቂ፣ ጎንፂን ካልኦት ፅዕንቶታትን ተፃዊራ ትምህርቲ ብምቕፃል ብሚሊየን ዝቑፀሩ ተምሃሮ ኣብ ትምህርቲ ንክፀንሑ ምግባር ምኽኣላ ተዛሪቦም።

መንገስቲ ኢትዮጵያ ኣብቲ እዋን ንትምህርቲ ጥራሕ ልዕሊ 22 ሚኢታዊ በጀት ከምዝሰለዐ ምግላፆም ካብ ሚኒስቴር ትምህርቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment