ኢትዮጵያ ኣብ ውድድር ፓራሊምፒክ 3 ሜዳሊያታት ብምርካብ ተሳትፎኣ ዛዚማ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፈረንሳይ ፓሪስ ኣብ ዝተኻየደ መበል 17 ውድድራት ፓራሊምፒክ ኢትዮጵያ 2 ወርቂን 1 ብሩርን ሜዳሊያታት ብምርካብ ተሳትፎኣ ዛዚማ።

ብመሰረት እዚ ኣትሌት ትእግስት ገዛሀኝ ብ1 ሺሕነ 500 ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ ዋግዋጎ (T-13)ን ያየሽ ጌቴ ብ1 ሺሕን 500 ሜትሮ ዓይነ ስዉራት ደቀአ ኣንስትዮ (T-11)ን ሚያዲያ ወርቂ ንሃገረን ኣምፂን፡፡

ብተመሳሳሊ ኣትሌት ይታያል ስለሺ ብ1 ሺሕን 500 ደቂ ተባዕትዮ ዓይነ ስውር ዋግዋጎ (T-11) ሜዳሊያ ብሩር ከምፅእ ክኢሉ፡፡

ብሓፈሻ ኣብቲ ውድር ዝገበረቶ ተሳትፎ ብ2 ወርቂን 1 ብሩርን ሜዳሊያታት ካብ ዓለም መበል 28 ደረጃ ብመሓዝ ከምዝዛዘመት ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

Comments (0)
Add Comment