ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ምብራቕን ማእኸላይን ኣፍሪካ(ሴካፋ) 18 ዓመት ደቂ ኣኒስቲዮ ብሰፊሕ ሸቶታት ተዓዊታ።
ብሄራዊ ጋንታ ኩዕሶ0 እግሪ ደቂ ኣኒስቲዮ ኢትዮጵያ ምስ ዛንዚባር መሰተአን ኣብ ዝገበርኡ ፀወታ 6 ን 1 ብዝኾነ ኣፈላላይ ኢየን ተዓዊተን።
ኣብ ስታዲየም ቻማዚ ኣብ ዝተገበረ ፀወታ ኣጥቃዒት እሙሽ ዳንኤል ኣብ መበል 45፣ 55ን 56ን ደቓይቕ ሰለሰተ ሸቶታት ብምቑፃር ሃትሪክ ሰሪሓ።
ብተወሳኺ ማህሌት ምትኩ ኣብ መበል ሻድሻይን 23 ደቒቓ ክልተ ሸቶ ዘቑፀረት እንትትከውን፥ ትንቢት ሳሙኤል ድማ ኣብ መበል 44 ደቒቓ ሓንቲ ሸቶ ኣቑፂራ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።