ኢትዮጵያ ኣብ ውሕመ ኣባል ኮሚቴ ላዕለዋይ ፈፃሚ ስራሕ ኮሚሽን ስደተኛታት ኮይና

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ውሕመ) ኣባል ኮሚቴ ላዕለዋይ ፈፃሚ ስራሕ ኮሚሽን ስደተኛታት ከምዝኾነት ተገሊፁ።

ቀዋሚ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ጄኔቫ ኣምባሳደር ፀጋኣብ ክበበው ድማ ኣብቲ ኮሜቴ ጉጅለ ኣፍሪካ ብምውካል ምክትል ኣቦ መንበር ብምዃን ከምዝተመረፁ ተሓቢሩ፡፡

ኣምባሳደር ፀጋኣብ ኣብ ውሕመ ዝተኻየዱ በዓል ብዙግ ወገን መድረኻት ብምምራሕ ከምኡ እወን ኣበ ጄኔቫ ኣብ ጉዳያት ጥዕና ጉጅለ ኣምባሳደራት ኣፍሪካ መተሓባበሪ ብምዃን ልምዲ ኣኻዕቢቶም ኢዮም።

ብምዃኑ ድማ ዘለዎም ተሞክሮ ምኽንያት ብምግባር ብምክትል ኣቦ መንበርነት ከምዝተመረፁ ሓበሬታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣመልኪቱ።

Comments (0)
Add Comment