ኢትዮጵያ ኣብ ውሕመ ቤት ምኽ ሰብኣዊ መሰል ን3ይ ግዘ ኣባል ብምዃን ተመሪፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2025-2027 ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ንሳልሳይ ግዘ ኣባል ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ብምዃን ተመሪፃ፡፡

ኢትዮጵያ ንሳልሳይ ዙር ኣባል ኣባል ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ብምዃን ዝተመረፀት ኣብ መበል 79 ሓፈሻዊ ጉባኤ ውሕመ ኢዩ፡፡

ቅድም ክብል ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 2013 ክሳብ 2015 ን ካብ 2016 ክሳብ 2018 ኣብ ዘሎ ግዘ ኢትዮጵያ ኣባል እቲ ቤት ምኽሪ ብምዃን ከምዘገልገለት ይዝከር፡፡

ሕዚ ንሳልሳይ ግዘ ብምምራፃ ድማ ኣብ ዓለም ለኸ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ውሳነ ንኽትህብ ዝገብራ ምዃኑ ካብ ቤት ፅሕፈት ቀዋሚ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ ጄኔቫ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

Comments (0)
Add Comment