ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፈ ቀዳማይ ርባዕ ዓመት ኢትዮጵያ ኣብ ኮንፈረንስ ዲፕሎማሲ ወፅኢታዊ ስራሕ ከምዘካየደት ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ።
ኣቐባሊ ቃል እቲ ሚኒስቴር ኣምባሳደር ነብያት ጌታቸው ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፥ ኣብ ቀዳማይ ርባዕ ዓመት 2017 ዓ.ም ለዕሊ 30 ዓለም ለኸ ኮንፈረንሳት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝተኻየዱ ተዛሪቦም።
ስለዝኾነ ኢትዮጵያ ኣብ ኮንፈረንስ ዲፕሎማሲ ወፅኢታዊ ስራሕ ኣካይዳ ኢያ ኢሎም።
እቶም ኮንፈረንሳት ኣብ ሀንፀት ፅባቐ፣ ምምዕባል ኣታዊ ቱሪዝም፣ ዝተፈላለዩ ልምድታት ኣብ ሓደ ቦታን ግዘን ንምርካብ ልዑል ግደ ከምዝነበሮም ተዛሪቦም።