ኢትዮጵያ ኣብ ክሊ ህዳሰ ግድብ ዘለዋ ቅዋም ንካልኣይ ግዜ ንቤት ምኽሪ ፀፅታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣፍሊጣ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ክሊ ህዳሰ ግድብ ዘለዋ ቅዋም ንካልኣይ ግዜ ንቤት ምኽሪ ፀፅታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ብደብዳቤ ኣፍሊጣ።

ግብፂ ህዳሰ ግድብ ብዝምልከት ንቤት ምኽሪ ፀፅታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ሕቶ ምቕራባ ስዒቡ፥ ኢትዮጵያ ኣብ ክሊ ህዳሰ ግድብ ዘለዋ ቅዋም ንካልኣይ ግዜ ነቲ ቤት ምኽሪ ግልፂ ገይራ ኣላ።

ብመሰረት እዚ እቲ ግድብ ስግኣት ሰላምን ፀፅታን ከምዘይኮነ ኣፍሊጣ።

ግብፂ ኣብ መንጎ ሰለስቲአን ሃገራት ዝካየድ ዘሎ ድርድር ንጎድኒ ብምግዳፍ ኣብ ዝሓለፈ ዕለተ ቀዳም ንካልኣይ ግዜ ናብቲ ቤት ምኽሪ ዘቕረበቶ ሕቶ ኣግባብነት ከምዘይብሉ ዝገለፀት ኢትዮጵያ፥ በዚ ተግባር ከምዝሓዘነት ገሊፃ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው ንቤት ምኽሪ ፀፅታ ኣብ ዝለኣኽዎ ደብዳቤ፥ ኢትዮጵያ እትሃንፆ ዘላ ግድብ ንታሕተዎት ሃገራት ተፋሰስ ከምዘይጎድአን ስግኣት ፀፅታን ሰላምን ከምዘይኮነን ንኻልኣይ ግዘ ኣረጋጊፆም።

ግብፂ እትኸዶ ዘላ መገዲ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ፅዕንቶ ፖለቲካን ዲፕሎማሲን ንምዕራፍ ዝፍትን ኢዩ ኢሎም።

ኣብ እዋን ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ብዘግለለ መገዲ ዝተገበረ ስምምዕነት ከምመደራደሪ ሓሳብ ምቕራብ ኣግባብነት ከምዘይብሉ እውን ገሊፆም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ዝግበር ዘሎ ድርድር ክፍፍል ማይ ከምዘይኮነ ብምሕባር፥ ከይዲ ኣመላልኣ ማይ ከምዝኾነ ኣብቲ ደብዳቤ ግልፂ ገይሮም።

ብተመሳሳሊ ዜና ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፅን ኣብ ክሊ እቲ ግድብ ዘለወን ኣፈላላይ ብዘተ ክፈትሕኡ ከምዝግባእ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣተሓሳሲቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment