ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ካብ ዘለዋ 10 ዝበለፃ ሃገራት ኢንቨስትመንት ሓንቲ ብምዃን ተሓሪያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ 2022 ኣብ ኣፍሪካ ካብ ዘለዋ 10 ዝበለፃ ከባቢታት ኢንቨስትመንት ሓንቲ ብምዃን ተሓሪያ።

ዓቕሚን ዕድላትን ኢንቨስትመንት ካብ ዘለወንን ኣብ ዓመተ 2022 ኢንቨስት ንምግባር ተመረፅቲ ካብ ዝኾናን ሃገራት፥ ኢትዮጵያ ሓንቲ ከምዝኾነት ኣውታር “ቢዚነስ ኢንሳይደር” ኣብ ዘውፅኦ ፀብፃብ ሓቢሩ።

ከም ፀብፃብ ኢቲ ሚዲያ፥ ናይጀሪያ፣ ግብፂ፣ ደቡብ ኣፍሪካ፣ ኣልጀሪያ፣ ሞሮኮ፣ ኬኒያ፣ ጋና፣ ኣንጎላን ኣይቬሪ ኮስትን ንኢንቨስትመንት ተባሂለን ካብ ዝተሓረያ ሃገራት ኢየን።

ኢትዮጵያ ኣብ ቢዝነስ ኢንሳይደር ብልፅቲ ንኢንቨስትመንት እንኸውን ተባሂላ ዝተሓረየትሉ ምኽኒያት፥ ብሰደድ ንግዲ ዕምባባ ኣብ ኣፍሪካ ካልኣይ ደረጃ ዝሓዘት ለኣኺት ሃገር ብምዃናን ብምፍራይ ቡና ብተወሳኺ ብለኣኺነት ብብርኪ ዓለም ኣፍልጦ ብምርካባ ኢዩ።

ብተወሳኺ ኣብ ኢትዮጵያ መዋእለ ናዋዮም ኢንቨስት ንዝገብሩ ሰብ ሃፍቲ መተባብዒ ምቕራቡ ኢትዮጵያ ንኢንቨስትመንት ተመራፂት ዝገበራ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ካብ 2019 ክሳብ 2020 ዓ.ም.ፈ ምዕባለ ቁጠባ ኢትዮጵያ 6 ነጥቢ 1 ሚኢታዊ ከምዝበፅሐን እዛ ሃገር ኣብ ኲናት እኳ እንተኾነት መጠን ሓፈሻዊ ዕብየት ውሽጢ ዓዲ 93 ነጥቢ 97 ቢሊየን ዶላር ኣሜሪካ ከምዝበፅሐ እቲ ፀብፃብ ዘጊቡ።

ኣብ 2022 ድማ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ናብ 8 ነጥቢ 7 ሚኢታዊ ክብ ከምዝብልን እዚ ድማ ኣብዛ ሃገር መዋእለ ንዋዮም ኢንቨስት ንዝገብሩ ሰብ ሃፍቲ ምልዕዓል ዝፈጥር እወንታዊ ዜና ኢዩ ኢሉ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment