ኢትዮጵያ ኣብ ኣኼባ ሓምለዋይ ልምዓት ካናዳ – ኣፍሪካ ተሳቲፋ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 10 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ኣኼባ ሓምለዋይ ልምዓት ካናዳ – ኣፍሪካ ተሳቲፋ።

ኣብ ትሑት ምልቃቕ ካርቦን ዝተደረኸ ኢኮኖሚ ንምህናፅን ለውጢ ከባቢ ኣየር ዝፃወር ስትራቴጂ ልምዓት ንምኽታል ካናዳ ምስ ሃገራት ኣፍሪካ ተሓባቢራ ምስራሕ ትኽእለሎም ኣማራፂታት ዘተኣላልሽ ኣኼባ ብመርበብ ሓበሬታ ተኻይዱ።

ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፋ ኮሚሽነር ፕላንን ልምዓትን ዶክተር ፍፁም ኣሰፋ፥ ብለውጢ ከባቢ ኣየር ዘይስኮን ስትራቴጂ ሓምለዋይ ልምዓት ኢትዮጵያ ንተሳተፍቲ ኣቕሪበን፡፡

ስለዝኾነ ድማ ኢትዮጵያ ምስ ለውጢ ከባቢ ኣየር ተተሓሒዙ ዘሎ ፀገም ንምፍታሕ በቢዓመቱ ተኸላ ፈልሲ እናካየደት ከምዝኾነት ብምግላፅ፤ ፀገማት ለውጢ ከባቢ ኣየር ንምፅር ከም ካናዳ ዝበላ ዝማዕበላ ሃገራት ብቴክኖሎጂን ብገንዘብን ናይ ባዕለን ሓገዝ ንኽገብራ ሓቲተን፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ኣማራፂታት ቢዝነስ ኣብ ዘፋለጥ መድረኽ ድማ ሚኒስትር ዲኤታ ንግዲን ኢንዱስትሪን ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣረጋን ፍሉይ ኣማኻሪ ኮሚሽነር ኢንቨስትመንት ዶክተር እውነቱ ሃይሉን ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ዕድላት ኢንቨስትመንትን ሃገር በቆል ስትራቴጂ ኢኮኖሚን ኣመልኪቶም መብርሂ ብመሃብ ሰብ ሃፍቲ ናብ ኢትዮጵያ መፂኦም መዋእለ ንዋዮም ንኸፍስሱ ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡

ሚኒስትር ዓለም ለኸ ካናዳ ካርና ጉድ፥ ሃገሮም ንለውጢ ከባቢ ኣየር ባንኪ ልምዓት ካናዳ – ኣፍሪካ ሓገዝ ከምተብርክት ቃል ምእታዎም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment