ኢትዮጵያ ኣብ ትራንስፎርሜሽን ስርዓተ ምግቢ ልዑል ስራሕ ብምስራሓ ኣፍልጦ ረኺባ- ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ትራንስፎርሜሽን ስርዓተ ምግቢ ልዑል ስራሕ ብምስራሓ ኣፍልጦ ረኺባ ከብላ ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር) ገሊፀን።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ዝተሸለሙሉ ዝኸበረ ሜዳሊያ ሽልማት ፋኦ ኣግሪኮላ ጠሚተን ኣብ ዝሃብኡ መብርሂ፥ እቲ ኣፍልጦን ሽልማትን ዝተረኸበ ብኣመራርሓ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ከም ሃገር ኣብ ትራንስፎርሜሽን ስርዓተ ምግቢ ልዑል ስራሕ ብምስርሑ ኢዩ ኢለን።

እቲ ዝተውሃበ ኣፍልጦን ሽልማትን ብብዙሕ ኣፀጋሚ ኩነታት ውሽጢ ብምዃን ስርናይ፣ “ሌማት” ከምኡውን ብመርሃ ገብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዝስራሕ ዘሎ ስራሕ ውፅኢት ምርኣይ ምጅማሩ ስዒቡ ከምዝኾነ ተዛሪበን።

ባለፉት አምስት አመታት በግብርናው ዘርፍ ከፍተኛ ለውጥ መታየቱን ገልጸው÷ ለዚህም በአዝዕርት ልማት ወደ 36 በመቶ እድገት መታየቱን ተናግረዋል።

ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ብዓውዲ ግብርና ልዑል ለውጢ ምርኣዩ እውን ገሊፀን።

ነዚ ድማ ብልምዓት ዝራእቲ ናብ 36 ሚኢታዊ ዕብየት ከምዝተርኣየ ተዛሪበን።

በፍላይ ብፍሪያት ስርናይ መስ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን እንትነፃፀር ናብ 200 ሚኢታዊ ዝፅጋዕ ወሰኽ ዕብየት ከምዝተመዝገበ ገሊፀን።

ብካልኦት ፍሪያታት ምስ ናይ ዓሚ ተመሳሳሊ ዘበነ ምህርቲ እንትነፃፀር ልዑል ዝኾነ ወሰኽ ከምዝተረኸበ ሓቢረን።

ፅዕንቶታት መራሕቲ ኣብ ኩለ መዳይ ለውጢ ሓንቲ ሃገር ዝህልዎ ፅልዋ ቀሊል ኣይኮነን ኢለን።

ስለዝኾ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ካብ ግብርና ብተወሳኺ ኣብ ዓውዲ ቱሪዝምን ካልኦት ዓውዲታትን ህዝቢ ብምንቕቓሕ ብዙሓት ስራሕቲ ነክስርሑ ኣብ ምግባር ዕዉት ስራሕ ከምዝሰርሑ ተዛሪበን።

ስለዝኾነ ሜዳልያ ኣፍልጦን ሽልማትን ፋኦ ኣግሪኮላ ንዘዐወትዎም ስራሕቲን ኣብ ቀፃሊ በቲ ዓውዲ ንዝሰርሕዎም ስራሕቲን ዓቕሚ ዝኾኑ ከምዝኾኑ ተዛሪበን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment