ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ 20 ዓመት ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ካብ ዓለም 3ይ ደረጃ ብመሓዝ ዛዚማ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኮሎምቢያ ካሊ ዝተኻየደ ትሕቲ 20 ዓመት ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ካብ ዓለም ኢትዮጵያ ካብ ዓለም 3ይ ደረጃ ብመሓዝ ዛዚማ።

ኢትዮጵያ ኣብቲ ውድድር 6 ሜዳሊያ ወርቂ፣ 5 ብሩርን 1 ነሓስን ብድምሩ 12 ሜዳሊያታት ክትረክብ ክኢላ።

ኣብ መዛዘሚ ዕለት እቲ ሻምፒዮና ኣርባዕተ ሜዳሊያታት ወርቂን ክልተ ሜዳሊያታት ብሩርን ረኺባ።

ኣብቲ ሻምፒዮና ኣሜሪካ 7 ወርቂ፣ 4 ብሪርን 4 ነሓስን ብሓፈሻ 15 ሜዳሊያታት ብምርካብ ቀዳመይቲ እንትከውን÷ ጀማይካ 6 ወርቂ፣ 7 ብሪርን 3 ነሓስን ብሓፈሻ 16 ሜዳሊያታት ብምርካብ ካልአይ ኮይና ዛዚማ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

Comments (0)
Add Comment