ኢትዮጵያ ኣብ ቀፃሊ ተደላይቲ መባጽሕቲ ኩባኒያታት መውፃእቲ መዓድን ዓለም ናይ ምዃን ዓቕሚ ከምዘለዋ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ቀፃሊ ኣብ ውሽጢ ዓለም ለኸ ኢንዱስትሪ መውፃእቲ መዓድን ዝተዋፈሩ ኩባኒያታት ተደላይት መባጽሕቲ ኢንቨስትመንት ናይ ምዃን ዓቕሚ ከምዘለዋ ተገሊፁ።

ማይን ዝተብሃለ ኣብቲ ዓውዲ ሓበሬታታት ዘውፅእ መርበብ ሓበሬታ፥ ኢትዮጵያ ልዑል ክዙን መዓድን ወርቂ ዘለዋን ኣብ ፅቡቕ ጎደና ምዕባለን ዝርከብ ምምሕዳር መንግስቲ ዝተጣየሸላን ሃገር ኢያ ኢሉ፡፡

ኤክስትራክቲቭ ኢንዱስትሪስ ትራንስፓረንሲ ኢኒሼቲቭ (EITI) ዝተብሃለ ኣብ ዘፈር መዓድን ዓመታዊ ፀብፃብ ፍርያት መዓድን ሃገራት ዕላዊ ዝገብር ትካል፤ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘፈር መዓድን መዋእለ ንዋይ ምፍሳስ ኣዋፃኣይ ከምዝኾነ ይእንፍት፡፡

እቲ ትካል ኣብ ፀብፃቡ፥ “ኢትዮጵያ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 2018 ክሳብ 2019፤ 3 ነጥቢ 23 ቶን ወርቂ ኣብ ዕዳጋ ዓለም ሸይጣ 126 ነጥቢ 3 ሚሊየን ዶላር ረኺባ ኢያ” ኢሉ፡፡

ክሳብ ሕዚ ብዘሎ ወፃኢ ንግዲ መዓድናት ወርቂ 93 ሚኢታዊ ብምሽፋን ጎሊሁ ከምዝወፅአ እቲ ፀብፃብ ኣመልኪቱ፡፡

ኢትዮጵያ ንዓለም ለኸ ኢንዱስትሪታት መውፃእቲ መዓድን ዝስሕብ ብዙሕ ዓይነት ክዙን መዓድናት ከምዘለዋ ዝሓበረ እቲ ፀብፃብ፥ ኣብ ቀፃሊ ኣብቲ ዓውዲ ዝረአ ዘይተመጣጠነን ኣብ ወርቂ ዘተኮረ ንግዲ ወፃኢን ንምምዕርራይ ኣብቲ ዓውዲ ዝተዋፈሩ ኩባኒያታት በራ ክትከፍት ከምዘለዋ እውን ኣገንዚቡ፡፡

ኤክስትራክቲቭ ኢንዱስትሪስ ትራንስፓረንሲ ኢኒሼቲቭ (EITI)÷ ኢትዮጵያ ዘይተነኽአ 200 ቶን ዝኸውን ወርቂ፣ 366 ሚሊየን ቶን እምኒ ፈሓም፣ 70 ሚሊየን ቶን ክዙን መዓድን ሓፂን ከምዘለዋ ዕድን ክምችት እንዳላትም ጠቁሟል፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment