ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ሰላምን ምርግጋእን ንምዕሳል ቆራፅ ከምዝኾነት ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡
ብጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ሩሲያ-ሶቺ ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ፎረም ሚኒስትራት ምሕዝነት ሩሲያ-ኣፍሪካ ተሳቲፉ፡፡
እቲ ጉባኤ ኣብ ሞንጎ ሩሲያን ኣፍሪካን ዘሎ ናይ ነዊሕ እዋን ታሪኻዊኻክብ ዘደንፈዐ ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር÷ ፎረም ምሕዝነት ሩሲያ-ኣፍሪካ ዕላማ ኣጀንዳ 2063 ሕብረት ኣፍሪካ ንምዕዋት ዘኽእል ከምዝኾነ ገሊፆም።
ኣብ ሞንጎ ሩሲያን ኣፍሪካን ብፍላይ ብዓውዲታት ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢን ንግዲን ዘለዎ ኢኮኖሚያዊ ምትሕብባር ምጥንኻር ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቦም፡፡
ኢትዮጵያ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ሰላምና ምግጋእን ንምዕሳል ቆራፅ ኢያ ምባሎም ሓበሬታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ የመላኽት፡፡