ኢትዮጵያ ኣብ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ኣፍሪካ 10 ሜዳሊያታት ብምውናን ዛዚማ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ኣፍሪካ 5 ወርቂ፣ 4 ብሩርን 1 ነሃስን ብድምሩ 10 ሜዳሊያታት ብምውናን ውድድራ ዛዚማ።

ብኣሰናዳእነት ካሜሩን ኣብ ከተማ ዱዋላ ኣብ ዝተሳለጠ እቲ ውድድር፥ ካብ ልዕል 27 ሃገራት ዝተውፃእፅኡ 2 ሺሕን 500 ኣትሌታት ነዝሓለፉ 6 መዓልታት ተሳቲፎም።

ኢትዮጵያ ኣብቲ ውድድር  ብ32 ደቂ ኣኒስቲዮን 36 ደቂተባዕቲዮን ኣትሌታት ኣብ 19 ዓይነታት ውድድር ኣትሌቲክስ ተሳቲፋ።

ብመሰረት እዚ 5 ወርቂ፣ 4 ብሩርን 1 ነሃስን ብድምሩ 10 ሜዳሊያታት ብምውናን ውድድራ ዛዚማ።

 

Comments (0)
Add Comment