ኢትዮጵያ ኣብ ርከብ ቻይና-ኣፍሪካ ወሳኒ ግደ ትፃወት ከምዘላ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ርከብ ቻይና-ኣፍሪካ ወሳኒ ግደ ትፃወት ከምዘላ ሚኒስትር ካውንስለር ኤምባሲ ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ያንግ ይሃንግ ገሊፆም።

ኮንፈረንስ ላዕለዎት ሰብ ሞያ ምትሕብባር ቻይና ኣፍሪካ(ፎካክ) ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ።

እቲ ኮንፈረንስ፥ “ኢትዮጵያ ከም ሓንቲ ኣፍሪካዊት ወካሊት  ድምፂ ካብ ትማሊ ክሳብ ሎሚ ዘለዋ ግደ” በዘብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ ዝካየድ ዘሎ።

ኣብዚ እዋን እቲ ጥምረት ኣብ ሓበራዊ ምክብባር ዝተደረኸ ሽርክና ከምዝኾነ ዝገለፁ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር እሸቴ ጥላሁን፥ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ፎካክ ዘሎ ርክብ ኣብ ምጥንኻር ልዑል ግደ ዘለዋ ኢያ ኢሎም።

ያንግ ይሃንግ ብግደአዞም፥ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ቻይናን ዘሎ ርክብ ንግዲን ህዝቢ ምስ ህዝቢን ክብ እናበ ለ ከምዝመፅአ ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያ ኣብ ርከብ ቻይና-ኣፍሪካ ወሳኒ ግደ ትፃወት ከምዘላ እውን ገሊፆም።

ብምስክር ስናፍቅ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment