ኢትዮጵያ ኣብ ሞንጎ ሃገራት ሰላም ንኽህሉ ኣጠንኪራ ክትሰርሕ ኢያ -ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ሞንጎ ሃገራት ሰላም ንኽህሉ ኣጠንኪራ ከምትሰርሕ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣፍሊጦም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ንኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዝሃቡዎ ምላሽን መብርሂን፥ ኢትዮጵያውያን ደለይቲ ሰላም ከምዝኾኑ ዓለም ከምዝመስከረ ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ኩነታት ፀፅታ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ፥ ንሰላም ዝግበር ፃዕሪ ኣድላዪ ከምዝኾነ ብምሕባር “ኩሉ ሰብ ሰላም ኣብ ምድላይ ክሰርሕ ኣለዎ” ኢሎም፡፡

ድሌት ኢትዮጵያ ጎንፂ ከይህሉ ምግባር ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ኣብ ሞንጎ ሃገራት ሰላም እንትህሉ ከስቡን ረብሑኡን ብዙሕ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ነዚ ድማ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝነበረ ጎንፂ ብሰላም ንኽትካእ ከምዝተገበረ ኣፍሊጦም፡፡

“ቅድሚ ክልተ ዓመት ንኢትዮጵያ ቴሌቪዥን ኣብ ዝሃብኩዎ ቃለ መሕትት ንህዝቢ ትግራይ ድምፂ ጥይት ኣየድልዮን ሰላም ኢና ንደሊ፤ ኣሸንኳይ ንሕና ንሳተፈሉ ዘይንሳተፈሉ እውን እንተኾነ ድምፂ ጥይት ክንሰምዕ ኣይንደልን ኢልና ነይርና” እውን ኢሎም።

ህወሓት ቀጥተኛ ጎንፂ ቅድሚ ምጅማሩ ስፖንሰር እናገበረ በቢከባቢኡ ጎንፂታት እናፈጠረ ከምዝነበረ ገሊፆም፡፡

“ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ኩሎም ጎንፂታት ፍልፍሎም ህወሓት ኢዩ” ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ፖለቲካዊ ስዕረቱ ብሓይሊ ንምውሳድ ብምሕሳብ ዝፈተሮ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ምስ ህወሓት ድርድር ተጀሚሩ ዝበሃል ወረ መሰረት ኣልቦ ኢዩ ኢሎም።

ህወሓት ፀላኢ ኢትዮጵያ ብምዃኑ ኢትዮጵያ ከይፈለጠት ድርድር ከምዘየለ እውን ገሊፆም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment