ኢትዮጵያ ኣብ ምዕባይ ተወዳዳሪነት ትካላት ውሽጢ ዓዲ ትኹረት ሂባ ክትሰርሕ ከምዝግባእ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ምዕባይ ተወዳዳሪነት ትካላት ውሽጢ ዓዲ ትኹረት ሂባ ክትሰርሕ ከምዝግባእ ምሁራት ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ እዋን ተግባራዊ እናገበረቶ እትርከብ ሃገር በቆል መመሓየሺ ኢኮኖሚ ኣድህቦ ካብ ዝሃበትሎም ጉዳያት ሓደ፥ ኣባል ሃገር ትካል ንግዲ ዓለም ንምግባር ዝተገበረ ፃዕሪ ምቅልጣፍ ኢዩ።

እታ ሃገር ኣባል እቲ ትካል ምዃና ልዑል ረብሓ ከምፀአላ ከምዝኽእል ምሁራት ይዛረቡ።

ምሁራት ክፍሊ ትምህርቲ ስነ-ቑጠባ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ዝኾኑ ዶክተር ታደለ ፈረደን ፕሮፌሰር ኣለማየሁን ምስ ጣቢያና ኣብ ዝገበሩዎ ፃንሒት፥ ኢትዮጵያ ኣባል ትካል ንግዲ ዓለም ክትከውን እንተክኢላ ዝተረጋግዐ ስርዓት ንግዲን ፖሊሲን ክህልዋ ኣብ ምግባር ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዝህልዎ ገሊፆም።

እዚ ድማ፥ ኢትዮጵያ ዘተኣማምንን እኹልን ኢንቨስትመንት ንኽትስሕብን መፍረይቲ ውሽጢ ዓዲ ኣብ ዓለም ለኸ ዕዳጋ ንኽፅምበሩ ዕድል ከምዝፈጥረሎምን ኢዮም እቶም ምሁራት ዝሓበሩ።

“ኢትዮጵያ ኣባል ንግዲ ዓለም ኮነት ማለት እቶት ሸቐጣት ግምሩኽ ካብ ቀረፅ ነፃ ይኣትዉ ማለት ኣይኮነን” ዝበሉ ዶክተር ታደለ፥ ውሳነ ንከያ ቀረፅ ወይ ድማ ዜሮ ቀረፅ ኣብ ከይዲ ዝትግበር ኢዩ ይብሉ።

ኣባል ምዃን መርኣዪ ግልፅነት ስርዓት ንግዲ ተገይሩ ይውሰድ እምበር ጉዳይ ቀረፅ ኣብ ክልተኣዊ ዘተ ሃገራት ዝድረኽ ከምዝኾነ ኢዮም ዝገለፁ።

ኣብ ምዕባይ ተወዳዳራይነት ኩባኒያታት ውሽጢ ዓዲ ተመተ ተዋሂቡ ክስራሕ ከምዝግባአእ እውን ዶክተር ታደለ ኣተሓሳሲቦም።

ፕሮፌሰር አለማየሁ ብግደኦም፥ ኩባኒያታት ኢትዮጵያ ንዓለም ለኸ ውድድር ንግዲ ክፃወሩዎ ይኽእሉዶ ኣብ ዝብል ዛዕባ ዝርዝር መፅናዕቲ ክግበር ከምዝግባእ ይዛረቡ።

ሕድሕድ ብቕዓትን ድኽመትን ዓውዲ እቶም ኩባኒያታት እንተየፅናዕኻ ናብ ትካል ንግዲ ዓለም ከምዘይእቶ እውን ኣብሪሆም።

Comments (0)
Add Comment