ኢትዮጵያ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ሰሓቢት ልዑል ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ዝኾነት ሃገር ኢያ-ቀ/ሚ ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 36 ስሩዕ ኣኼባ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ይካየድ ኣሎ።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ ዝሳለጥ ዘሎ ስሩዕ ኣኼባ ተረኺቦም ኣብ ዝሃብዎ መብርሂን ምላሽን፥ ሎሚ ዘበን ካብ ፍሪያትን ኣገልግሎትምን ንግዲ ወፃኢ ልዕሊ 10 ቢሊዮን ዶላር ኣታዊ ከመዘተረኸበ ተዛሪቦም።

ካብ ኣገልግሎት ሓወላ 6 ነጥቢ 5 ቢሊየን ከመዝተረኸበ እውን ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ሐዚ እውን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ሰሓቢት ልዑል ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ዝኾነት ሃገር ኢያ ኢሎም።

ኣብዚ በጀት ዓመት ኣስታት 3 ቢሊየን ዶላር ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ምስሓብ ከመዝተኽኣለ ብመርኣያነት ኣቕሪቦም።

ስርናይ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ፍሪያታት ልዑል ውፅኢት ይምዝገብ ከምዘሎ ብምግላፅ፥ ንኣብነት ኣብ ባጀት ዓመት 2016 ዓ.ም 2 ቢሊየን ዶላር ዋጋ ዘለዎም ፍሪያታት ብፍሪያታት ውሽጢ ዓዲ ምትካእ ከምዝተኽኣለ ኣብሪሆም።

Comments (0)
Add Comment