ኢትዮጵያ ኣብ ምርግጋፅ ሰላም እቲ ዞባ ልዑል ኣስተዋፅኦ እናበርከተት ትርከብ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ምርግጋፅ ሰላም ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ ልዑል ኣስተዋፅኦ እናበርከተት ከምትርከብ ተገሊፁ።

ልኡኽ ሓይሊ ተጠንቀቕ ምብራቕ ኣፍሪካ ኣብ ወታደራዊ ድልዉነት ኢትዮጵያ ብምድሃብ ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ሓበራዊ ዘተ የካይድ ኣሎ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ድማ ሓይሊ ተጠንቀቕ ኩለመዳይ ኣፈፃፅማ ወፍሪ ዝምልከት ናይ ፅሑፍ ዳህሳስ ከምዝቐረበ ካብ ማሕበራዊ ሚዲያ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኣብ ዝቐረበ ፅሑፍ ድማ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣባል ሃገራት ኣብ ምርግጋፅ ሰላምን ምርግጋእን እቲ ዞባ ልዑል ግደ እናተፃወታ ከምዝኾና ተገሊፁ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment