ኢትዮጵያ ኣብ መድረኽ ምትሕብባር ዘፈር ቴክኒክና ሞያን ቻይና-ኣፍሪካ ትሳተፍ ኣላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መድረኸ መድረኽ ምትሕብባርን ዕቤትን ዘፈር ቴክኒክና ሞያን ቻይና-ኣፍሪካ ኣብ ቻይና ከተማ ቤጂንግ ይካየድ ኣሎ።

እቲ መድረኽ÷ ቻይና ኣብቲ ዓውዲ ዘለዋ ዕዙዝ ተሞክሮ ንሃገራት ኣፍሪካ ተካፍለሉን ኣብ ማዕቐፍ ምትሕብባር ጭቡጥ ማሕለኻታት እቲ ዓውዲ ንምፍታሕን ምዕባለ ንምፃእን ብሓር ዝስረሐሉ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣብቲ መድረኽ እናተሳተፉ ዝርከቡ ሚኒስትር ዴኤታ ስራሕን ክእለትን ተሻለ በሬቻ÷ ዘፈር ምትሕብባር ቴክኒክን ስልጠና ሞያ ቴክኖሎጂን ቻይናን ኣፍሪካ ከምኡ እውን ቻይናን ኢትዮጵያ ንምድንፋዕ ዕዙዝ ግደ ዘለዎ መድረኽ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ኢትዮጵያ ኣብቲ ዓውዲ ዘለዋ ዓቕሚን ተሞክሮን ብምትሕብባር ንምዕባይ ከምትጥቀመሉ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር ዴኤታ÷ ልምዲ ቻይና እቲ ዓውዲ ንምሕጋዝ ዘይትካእ ግደ ከምዘለዎ ምግላፆም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube      

Comments (0)
Add Comment