ኢትዮጵያ ኣብ መበል 42 ዓለም ለኸ ዓውደ ምርኢት ዕዳጋ ኢንዱስትሪ ጉዕዞ ትሳተፍ ኣላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ መበል 42 ዓለም ለኸ ዓውደ ምርኢት ዕዳጋ ኢንዱስትሪ ጉዕዞ ትሳተፍ ኣላ።

መበል 42 ዓለም ለኸ ዓውደ ምርኢት ናይ ጉዕዞ ኢንዱስትሪ ዕዳጋ ኣብ እንግሊዝ ማእኸል ኤግዚቪሽንን ኣኼባን ለንደን ብዕሊ ተኸፊቱ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ÷ ሚኒስትር ቱሪዝም ፌዴሪኢ ናሲሴ ጫሊ ሓዊሱ ኣምባሳፈር ኢትዮጵያ ኣብ እንግሊዝ ተፈሪ መለሰ ተረኺቦም፡፡

ካብ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣይተ ሄኖክ ሓዊሱ ኣብ ኢትዮጵያ ዝሰርሑ ዝተፈላለዩ ወኪላት ጉዕዞ ኣብቲ ዓውደ ምርኢት ከምዝተዓደሙ ካብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ እንግሊዝ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

በቢዓመት ዝካየድ እቲ ዓውዲ ምርኢት÷ ኣብ ዓውዲ ቱሪዝም ጉዕዞ ብብርኪ ዓለም ቀዳማይ ዓውደ ምርኢት ከምዝኾነ ይንገረሉ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment