ኢትዮጵያ ኣብ መበል 22 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ኣፍሪካ ተወሳኺ ሚዳሊያ ወርቂ ረኺባ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ መበል 22 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ኣፍሪካ ተወሳኺ ሚዳሊያ ወርቂ ረኺባ።

ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተኻየዱ ብ3 ሺሕ ሜትሮ መሓንኩሎ ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያ ሜዳሊያ ወርቂን ብሪን ረኺባ።

ኣብቲ ውድድር ኣትሌት ወርቁውሃ ጌታቸውን ዘርፌ ወንድማገኝን ቀዳመይቲን ካልአይቲን ብምውፃእ ሜዳሊ ወርቂን ብሩርን ንሃገረን ኣምፂአን።

ኣትሌት ሃይለማርያም ብግድኡ ብ5 ሺሕ ሜትሮ ውድድር ንሃገሩ 5ይ ሜዳሊያ ወርቂ ከምፅእ ክኢሉ፡፡

ረፋድ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ስግሚ 20 ኪሎ ሜትሮ እውን ብክልቲኡ ፆታ ተወሰኽቲ ሜዳሊያታት ክትረክብ ክኢላ።

ብመሰረት እዚ ብደቂ ኣንስትዮ የኋየ በለጠ ካልአይቲ ብምውፃእ ሜዳሊያ ብሩር ረኺባ።

ብደቂ ተባዕትዮ ድማ ዮሃንስ ኣልጋው ሳልሰይቲ ብምውፃእ ሜዳሊያ ነሓስ ምርካቡ ካብ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment