ኢትዮጵያ ኣብ መበል 18 ምርኢት ነፈርቲን ኤግዚብሽንን ዱባይ ትሳተፍ ኣላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ሰራዊት ፌዴሪኢ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ዝተመርሐ ልኡኽ ክሳብ ቀፃሊ ዕለተ ዓርቢ ኣብ ዝሳለጥ መበል 18 ምርኢት ነፈርቲን ኤግዚብሽንን ዱባይ ይሳተፍ ኣሎ።

ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ጎኒ ንጎኒ እቲ ዓውደ ርእይ፥ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ዝተፈላለያ ትካላት ኣፍረይቲ ወተሃደራዊ ኣፅዋራት ኲናት ዘቲዮም።

ሎሚ መዓልቲ ምስ ኢታማዦር ሹም ምክልኻል ሃገር ሕቡራት ኤሚሬትስ ዓረብ ሌተናል ጀነራል ዒሳ ኣል ማዙሪ ኣብ ዝገበርዎ ዘተ፥ ብዛዕባ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ምትሕብባር ወተሃደራዊ ጉዳያት ምልዛቦም ተገሊፁ።

ብተወሳኺ ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ፌዴሪኢ ሌተናል ጀነራል ይልማ መርዳሳ ብዓውዲ ኤይሮ ስፔስ ልዑል ልምዲ ምስ ዘለወን ትካላት ሓለፍቲ ስራሕ ምዝታዮም ተሓቢሩ።

ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጀስቲክስን  ኣለሙ ስሜ(ዶ/ር)ን ዝተፈላለዩ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስ5ራሕ መነግስቲን ኣብቲ ኤግዚብሽን ይሳተፉ ኣለዉ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment