ኢትዮጵያ ኣብ መበል 13 ፎረም መናእሰይ ዩኔስኮ ትሳተፍ ኣላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር  ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኤርጎጌ ተስፋዬ (ዶ/ር) ኣብ 13 ፎረም መናእሰይ ትካል ትምህርቲ፣ ሳይንስን ባህሊን (ዩኔስኮ) ውሕመ ይሳተፋ ኣለዋ።

እቲ ፎረም ክሌማዊ ለውጢ እናስዐቦ ዝርከብ ፅዕንቶ ንምፅዋር ኣብ ግደ መናእሰይ ትኹረት ብምግባር እናዘተየ ምዃኑ ካብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ፈረንሳይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እተን ሚኒስትር ኢትዮጵያ ፖሊሲ መናእሰይ ብምሕንፃፅ ተግባራዊ እናገበረት ከምትርከብ ብምግላፅ፥ ተረባሕነቶም ዘረጋግፁ ብዙሓት ስራሕቲ እናተወገኑ ከምዝኾኑ እውን ኣልዒለን፡፡

ንመናእሰይ ዕድል ስራሕ ኣብ ምፍጣር ከምኡ እውን ዘስካሕኽሕ ስደት ንምትራፍ ካብ ፃዕሪ ሃገራታ ብተወሳኺ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላትን ትካላትን ናይ ባዕሎም ግደ ንኽዋፅኡ ሓቲተን፡፡

ፀገም ክሌማዊ ለውጢ ንምክልኻል ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር መንእሰይ ኣብ ግልጋሎት ወለንታ ብምስታፍ ሰፊሕ ስራሕ ከምዝተሰርሐ ኣብሪሀን፡፡

እተን ሚኒስትር ካብዚ ብተወሳኺ÷ ኮድና ጎድኒ እቲ ኣኼባ ምስ ሚኒስትር መናእሰይ ባህሊን ኮሙኒኬሽንን ሞሮኮ መሂድ ቤንሰይድ ተዛቲየን፡፡

በዚ ድማ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ኣብ መናእሰይ ጠሚቶም ዝስርሑ ስራሕቲ ብሓባር ምስራሕ ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት ዘቲየን፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ካልኣይ ፎረም መናእሰይ ፓን ኣፍሪካ ንኽሳተፉ እውን ዕድመ ኣቕሪበናሎም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment