ኢትዮጵያ ኣብ መሊስካ ምልማዕ ደኒን ኣጠቐቕማ ዘላቒ መሬትን ዘለዋ ተመክሮ ኣብ ኮፕ29 ክተቕርብ ኢያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ መሊስካ ምልማዕ ደኒን ኣጠቐቕማ ዘላቒ መሬትን ዘለዋ ተመክሮ ኣብ ኮፕ29 ክተቕርብ ኢያ ተባሂሉ።

ኣብ ዓለም ለኸ ጉባኤ ክሌማዊ ለውጢ ውድብ ሕቡራት መንግስታት(ኮፕ29) ዝሳተፉ ኣባላት ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣዘርባጃን ባኩ ኣትዮም።

እቲ ጉባኤ፥ ምቕናስ ዓለም ለኸ ምብካል ጋዝ፣ ንክሌማዊ ለውጢ ዝኸውን ዓቕሚ ፋይናነስ ምጥንኻር ኢሉውን ዘላቕነት ዘለዎ ክሌማዊ ለውጢ ምርግጋፅ ኣብ ዝብሉ ጠመተ ዝገብር ኢዩ ተባሂሉ።

ፍልፍል ቀረብ ሓይሊ፣ ሰብኣዊ ልምዓት፣ ውሕስነት ምግብን ብዝሃ-ህይወትን ናይቲ ጉባኤ ናይዚ ዓመት ኣንፈት ትኹረት ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ።

ኢትዮጵያ ዝጀመረቶ ኢኒሼቲቭ ልምዓት ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ዓውዲ ግብርና፣ ኢኮ-ቱሪዝምን ተሓዳሲ ሓይሊን ዝስራሕ ዘሎ ስራሕ ክሌማዊ ለውጢ ንምክልኻል ዓብዪ ኣስተዋፅኦ ይገብር ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ስለዝኾነ ኢትዮጵያ ኣብ መሊስካ ምልማዕ ደኒን ኣጠቐቕማ ዘላቒ መሬትን ዘለዋ ተመክሮ ኣብ ኮፕ29 ክተቕርብ ኢያ ተባሂሉ።

Comments (0)
Add Comment