ኢትዮጵያ ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ ንዝግበር ለውጥን ምምሕያሽን ድጋፍ ንክትገብር ምኽትል ኣቦ-መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሓቲቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) ኢትዮጵያ ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ ንዝግበር ለውጥን ምምሕያሽን ድጋፍ ንክትገብር ምኽትል ኣቦ-መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ዶ/ር ሞኒክ ንሳንዛባጋንዋ ሓቲቶም።

ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ተስፋዬ ይልማ ምስ ምኽትል ኣቦ-መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ዶ/ር ሞኒክ ንሳንዛባጋንዋ ተዛትዮም።

ኣብ ዘተኦም ምኽትል ኣቦ-መንበር ሞኒክ፥ ኢትዮጵያ ኣብቲ ሕብረት ንዝግበር ለውጥን ምምሕያሽን ድጋፍ ክትገብር ሓቲቶም።

ኣምባሳደር ተስፋዬ፥ ውዳበ ሕብረት ኣፍሪካ ዝተበታተነ ብምዃኑ እቶም ስራሕቲ ብሓባር ንምምራሕን ዝተዋደደ ኣመራርሓ ንክህብን እቲ ምምሕያሽ ውዳበ ተግባራዊ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ስለዝኾነ ድማ ቑፅሪ ሰብ-ሙያ፣ እቲ ወፍሪ ፍትሓዊን ኣሳታፊን ብዝኾነ መገዲ ንክፍፀም ኢትዮጵያ ከም ኣተኣናጋዳይነታ ነቲ ሓዱሽ ለውጢ ድጋፍ ክትገብር እያ ኢሎም።

ለውጢ ውዳበ ፋይናንስ፣ ሓይሊ ሰብ መሪፃን መልሚላን ብብቕዓትን ክእለትን ኢሉ እውን ብመለክዒ ምድላው ትምህርቲ ብሓፈሻዊ ውዳበ ክፍልታት ስራሕ እቲ ሕብረት ከምዝወሃብ እውን ኣብቲ ዘተ ተገሊፁ።

ምኽትል ኣቦ-መንበር ሞኒክ፤ ንለውጢ ውዳበ እቲ ሕብረት ቁልፊ ኣብ ዝኾኑ ጉዳያት ብሓባር እናተማኸሩ ንክፍፀሙ ኢትዮጵያ ድጋፋ ኣጠናኺራ ከምእተቕፅል ዘለዎም ተስፋ ምግላፆም ካብ ቤት ፅሕፈት ወሃቢ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment