ኢትዮጵያ ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሚኒስትራት ስፖርት ኣባል ሃገራ ብሪክስ ትሳተፍ ኣላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሚኒስትራት ስፖርት ኣባል ሃገራ ብሪክስ ትሳተፍ ኣላ።

ኣብ ሩሲያ ከተማ ካዛን ንክልተ መዓልቲ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ መድረኽ ንኢትዮጵያ ብምውካል ሚኒስትር ባህሊን ስፖርትን ቀጄላ መርዳሳ ተሳቲፎም።

ኣብቲ መድረኽ መልእኽቲ ዘመሓላለፉ እቶም ሚኒስትር፤ ኢትዮጵያ ሙሉእ ኣባል ማዕቐፍ ኣኼባ ሃገራት ብሪክስ ብምዃና ዝተሰመዖም ሓጎስ ገሊፆም።

ምትሕብባር እተን ኣባል ሃገራት ንኽጠናኸር ኣስተዋፅኦ ንዝገበሩ ኩሎም ብሽም መንግስቲ ኢትዮጵያን ሚኒስቴር ባህሊን ስፖርትን ምስጋና ኣቕሪቦም።

ቀንዲ ዕላማ እቲ መድረኽ ልምዓት ስፖርትን ምትእስሳር ህዝቢ ምስ ህዝቢን ምጥንኻር ከምዝኾነ ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር የመላኽት።

Comments (0)
Add Comment