ኢትዮጵያ ኣብ ህንፀት ዘበናዊ ከተማን መሰረተ-ልማት ቱሪዝምን ጭቡጥ ለውጢ ተርኢ ኣላ – ናይ ወፃኢ ሃገራት በፃሕቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ) ኢትዮጵያ ኣብ ህንፀት ዘበናዊ ከተማን መሰረተ-ልማት ቱሪዝምን ጭቡጥ ለውጢ እናርአየት ከምትርከብ ናይ ወፃኢ ሃገራት በፃሕቲ ገሊፆም።

ኣብ በዓል መስቀል 2017 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተረኸቡ በፃሕቲ ወፃኢ ሃገራት÷ ኢትዮጵያ ዘደንቕ ባህሊ፣ ሓድነትን ህብረ-ብሄራዊነትን ዘለዋ ሃገር ከምዝኾነት ምርደኦም ተዛሪቦም፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ ህንፀት መሰረተ-ልምዓት፣ ልምዓት መባፅሕቲ ቱሪስት፣ ህንፀት ዘበናዊ ከተማ፣ ንቱሪስታት ምቹው ኩነታትን እንግዶትን ኣብ ምቕራብ ጭቡጥ ለውጢ ከምዘርአየት ኣልዒሎም።

ዝረአ ለውጢ ኢትዮጵያ ዘለዋ ዘደንቕ ባህሊን ክብሪን ብስፍሓት ንኽጉብነዩ ዕድል ዝፈጥር ከምዝኾነ እቶም በፃሕቲ ተዛሪቦም።

በፃሐቲ ኢትዮጵያ ዘለዋ መሰረተ ልምዓት ቱሪስትን ምቹው ኩነታትን ብምጥቃም ዝድህሰሱን ዘይድሀሰሱን ሓድጊታት ንምጉብናይ ምርጨኦም እናገበሩዋ ከምዝኾኑ ምግላፆም እውን ግዜኢ ፀብፂቡ።

Comments (0)
Add Comment