ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ ሰላም ብምምፃእ ዝነኣድ ተግባር ተሳልጥ ኣላ – ኮ/ል ማክ ቶክ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሲኒየር ኮሎኔል ማክ ቶክ ፕሮግ ዝተመርሐ ወታደራዊ ልኡኽ ኣብ ግዝኣት ኣብዬ ናይ ዝተዋፈረ ግዚያዊ ሓይሊ ፀፅታ ውሕመ (ዩኒስፋ) ኣበ ኣቢዬ ዝርከብ ቀጠና ወፍሪ መበል 24 ሞተራይዝድ ሻለቃ ዓቃቢ ሰላም ተዓዚቡ።

እቲ ዑደት ዋና መአዘዚ ጣብያ ሓዊሱ 4ይ ኤፒሲ ሻምበል ዘካተተ ኮይኑ፤ ኣብቲ ቦታ እንትበፅሑ ብኣመራርሓ ሻለቃ ኣቀባብላን መብራህርህን ተዋሂቡዎም እዩ።

ከም ኣዘራርባ  ኮሎኔል ማክ ቶክ ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኽ ምኽባር ሰላም ናይ ነዊሕ እዋን ልምዲ ዘለዋ ሃገር ከም ምዃና፤ እዚ ልምዳ ብዝግባእ ብምጥቃም ኣብቲ ቀጠና ክመፅእ ዘይኽእል ሰላምን ምርግጋዕን ብምምፃእ ዝድነቕ ተግባር እናፈፀመት ትርከብ ኢሎም።

ሻለቃ መኽበሪ ሸላም 24 ሞተራይዝድ ብዙኽ ፈተናን ፈተናታት ብምሕላፍ ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ክፋላት ሕብረተሰብ ብሰላም ወፂኦም ብሰላም ምእታዎምን ምንቅስቓሶምን ምርኣዮም ምስክር ምዃኑ ምግላፆም ካብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment