ኢትዮጵያ ኣባል ትካል ንግዲ ዓለም ንምዃን ዘቕረበቶ ሕቶ ምላሽ ከምዝረክብ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣባል ትካል ንግዲ ዓለም ንምዃን ዘቕረበቶ ሕቶ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ምላሽ ንምሃብ ይስራሕ ከምዘሎ ዳይሬክተር ዲቪዥን ኣክሴሽን ትካል ንግዲ ዓለም ማይካ ኦሺካዋ ገሊፀን።

ሚኒስትር ንግዲን ዞባዊ ዝምድናን ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) ምስ ማይካ ኦሺካዋ ኣብ ክሊ ከይዲ ደርድር ኣባልነት ኢትዮጵያ ምዝርራቦም ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ገሊፆም።

ኣባል እቲ ትካል ንምዃን ሕቶ ካብ እተቕርብ ነዊሕ እዋን ዝኾና ኢትዮጵያ፥ ኣብዚ ሐዚ እዋን እትትግብሮ ዘላ ብዙሕ ምምሕያሻት ኢኮኖሚ እቲ ከይዲ ድርድር ብዝሓሸ ሰለጤን ንምዝዛም ከምዝሕግዝ ምግላፁ ሓቢሮም።

ብመሰረት እዚ ንቐፃሊ መበል ሓምሻይ ኣኼባ ጉጅለ ስራሕ ዝቐርቡ ሰነዳት ናብ ተግባር ዝኣተዉ ብዙሓት ምምሕያሻት ፖሊሲ ዘካተተ ንክኸውን ምስ ሰብ ሞያ እቲ ትካል ብምዃን ኣብ ከይዲ ምኽላስ ከምዘሎ ኣብሪሆም።

እተን ዳይሬክተር ብግደአን፥ ንከይዲ ኣባልነት ኢትዮጵያ ክሳብ ሐዚ ብመሓንቕ ካብ መንጎ ዝርቁሑ ፖሊስን ጉዳያት ሕጊን ኣብ ቀረባ እዋን ዝተኻየደ ምምሕያሽ ማክሮ ኢኮኖሚ እወንታዊ ኣጋጣሚታት ከምዝኾኑ ገሊፀን።

 

Comments (0)
Add Comment