ኢትዮጵያ ኣምሓርኛ ናይ ስራሕ ቋንቋ ሕብረት ኣፍሪካ ንኽኸውን ሓቲታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣምሓርኛ ናይ ስራሕ ቋንቋ ሕብረት ኣፍሪካ ንኽኸውን ብሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ኣቢላ ሕቶ ኣቕሪባ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ኣምሓርኛ ናይ ስራሕ ቋንቋ ሕብረት ኣፍሪካ ንኽኸውን ሕቶ ዘቕረቡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ መበል 44 ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፈፀምቲ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ ኢዩ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ ኣበዚ እዋን ከምዝገለፁ÷ ኢትዮጵያ ዘቕረበቶ ሕቶ ምስ ዛዕባ 2063 ዝመጣጠን ከምዝኾነ ኣልዒሎም።

እዚ ጥራሕ ዘይኮነ ሃር በቀል ቋንቋታት ኣፍሪካ ንምጥንኻር ዝተትሓዘ ሸቶ ሕብረት ኣፍሪካ ሓቢሩ  ዝኸይድ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ነበር ትካል ሓድነት ኣፍሪካ ቻርተር ዝተፈረመ ኣምሓርኛ ሓዊሱ ብኣርባዕተ ቋንቋታት ከምዝኾኑ ምዝኽኻሮም እውን ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

“ኣምባሳደር ታዬ ኣምሓርኛ ናይ ስራሕ ቋንቋ ሕብረት ኣፍሪካ ምግባር ብዙሕነት ምቕባልን ሓበራዊ መንነት ምጥንኻርን ኢዩ” ኢሎም።

እዚ ድማ እታ ኣህጉር ናብ ዝሐሸ ብርኪ ንምብፃሕ ሓገዝ ከምዝገብር ኣገንዚቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment