ኢትዮጵያ ኢንቨስትመንት ወፃኢኣ ንምዕባይ ምምሕያሻት ፓሊሲ ትገብር ኣላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኢንቨስትመንት ወፃኢኣ ንምዕባይ ምምሕያሻት ፓሊሲ እናገበረት ምዃና ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣረጋ ገሊፆም።

ፎረም ቢዝነስ ኢትዮጵያን ፓኪስታንን ሎሚ ኣብ ፓኪስታን ከተማ ካራቺ ምክያድ ጀሚሩ፡፡

እቲ ፎረም÷ ክልቲአን ሃገራት ብዝበለፀ ብንግዲን ኢንቨስትመንትን ዘለወን ርክብ ኣብ ዘጠናኽራሎም ጉዳያት ትኹረት ብምግባር እናተሳለጠ ይርከብ።

ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣረጋ ኣብ መኽፈቲ እቲ ፎረም ከምዝበሉዎ÷ ኢትዮጵያ ምስ ፓኪስታን ዘለዋ ዲኘሎማሲያዊን ርክብ ንግዲን ንምድንፋዕ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ፍሉይ ትኹረት ሂባ እናሰርሓት ትርከብ።

ኢትዮጵያ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ብዝበለፀ ንምስሓብ ምምሕያሻት ፓሊሲ እናገበረት ከምዝኾነት ብምግላፅ÷ ሰብ ሃፍቲ ፓኪስታን እቲ ዕድል ንኽጥቀሙ ሓቲቶም።

ሚኒስትር ዲኤታ በዓል መዚ ንግዲን ልምዓትን ፓኪስታን ዙቤር ሞቲዋታ ብግደኦም÷ ፓኪስታን ምስ ኣፍሪካ ኣብ ዘለዋ ርክብ ኢትዮጵያ ወሳኒት ኣገር ምዃናን ክልቲአን ሃገራ ዘለወን ዓሚቕን ተነፃፃሪን ዓቕሚ ቢዝነስ ብምጥቃም ልውውጥ ንግዶም ከዕብዩ ከምዝግባእ ምግላፆም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያ ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

Comments (0)
Add Comment