ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ንፅዕንቶ ክሌማዊ ለውጢ ምላሽ ንመሃብ ዝገበረቶም ለውጢታት ፖሊሲን ስትራቴጂን ጭቡጥ ለውጢ ከምዘምፀኡ ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓት ገሊፁ።
እቲ ሚኒስቴር መርሃ ግብሪ መጀመሪ ሓምለዋይ ኣሰር 2015 ዓ.ም ፅዕንቶ ክሌማዊ ለውጢን ብምፅዋር ንዕቤት ቁጠባዊ ሃፍቲን ልምዓትን ኣብ ዝህልዎ ኣስተዋፅኦ ዝጠመተ ፓናል ዘተ ኣካይዱ።
ሚኒስትር ዴኤታ ፕላንን ልምዓትን ጥሩማር ኣባተ ከምዝገለፀኦ÷ ንፅዕንቶ ክሌማዊ ለውጢ ምላሽ ንመሃብ ፖሊሲ፣ ስትራቴጂ፣ ናይ ነዊሕ እዋን ትልሚ ብምሕንፃፅን ትካላት ብምውዳብ ዝተፈላለዩ ተግባራት ተሳሊጦም።
በዚ ድማ ጭቡጥ ለውጢ ከምዘምፀአ ብምግላፅ፤ ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ 25 ቢሊዮን ፈልሲ ካብ ምትካል ሓሊፉ እቲ መርሃ ግብሪ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ንምስፋሕ እናተሰርሐ ከምዝርከብ ተዛሪበን።
ልምዲ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ዓለም ለኸ መድረኻት ንምፍላጥ ምስ ዓለም ለኸ ትካላት እናሰተርሐ ከምዝኾነ ምግላፀን ግዜኢ ፀብፂቡ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com