ኢትዮጵያ ንደቡብ ኮሪያ ዝሰለጠነ ሓይሊ ሰብ ንምቕራብ ቀንዲ ተመራፂት ኢያ – ኣምባሳደር ካንግ ሲዎኪሂ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ንደቡብ ኮሪያ ብዝሰለጠነ ሓይሊ ሰብ ዕዳጋ ስራሕ ንምቕራብ ቀንዲ ተመራፂት ከምዝኾነት ኣምባሳደር ደቡብ ኮሪያ ኣብ ኢትዮጵያ ካንግ ሲዎኪሂ ኣፍሊጦም።

ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚል ምስ ኣምባሳደር ካንግ ሲዎኪሂ ተዛቲየን፡፡

ኣብ ዘተአን ድማ÷ ማዕቐፍ ምትሕብባር ንምጥንኻር ዘኽእሉ ኩነታታት ብሰፊሑ ከምዝተዛተዩ እተን ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፀን ኣብ ዘመሓላለፈኦ ፅሑፍ ገሊፀን፡፡

ክእለት ፈጠራ መንእሰይ ንምድንፋዕ ዘኽእሉ ሳይንሳዊ ሜላታት ካብ ደቡብ ኮሪያ ልምዲ ብምውሳድ ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት ከምዝተዛተያ እውን ኣብሪሀን።

ኣምባሳደር ደቡብ ኮሪያ ኣብ ኢትዮጵያ ካንግ ሲዎኪሂ ብግደኦም÷ ጀጋኑ ኢትዮጵያውያን ኣብ ጎኒ ህዝቢ ደቡብ ኮሪያ ጠጠው ብምባል ንዘበርከቱዎ ኣስተዋፅኦ ኩሉ እዋን በዓል ውዕለታነቶም ብምዝኽኻር ብሽም መንግስቲን ህዝቢን ደቡብ ኮሪያ ምስጋና ኣቕሪቦም።

ኢትዮጵያ ንደቡብ ኮሪያ ብዝሰለጠነ ሓይሊ ሰብ ዕዳጋ ስራሕ ንምቕራብ ቀንዲ ተመራፂት ከምዝኾነት፤ ከምኡ እውን ኣብ ኣፍሪካ ፈላመይቲ ሕቶ ዝቐረበላ ሃገር ምዃና ፀሪሖም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube    

Comments (0)
Add Comment