ኢትዮጵያ ንዞባዊ ምርግጋእን ኢኮኖሚያዊ ውህደትን ብቖራፅነት ክትሰርሕ ኢያ – ኣምባሳደር ታዬ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ንዞባዊ ምርግጋእን ኢኮኖሚያዊ ውህደትን ብቖራፅነት ክትሰርሕ ኢያ ክብሉ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ገሊፆም፡፡

ኣምባሳደር ታዬ ኣብ መበል 44 ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ኣፈፀምቲ ሕብረት ኣፍሪካ ከምዝገለፁዎ÷ ጉባኤ እቲ ሕብረት ን21 ክፍለ ዘመን ዝምጥን ኣፍሪካዊ ኣስተምህሮ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ትኹረ ብምግባር ክዛተ ከምዘለዎ ኣልዒሎም፡፡

ኣብቲ መድረኽ ዘይብዳህ ስርዓት ትምህርቲ ምህናፅን ኣብ መላእ ኣፍሪካ ዝርከቡ ህፃናት ፅሬት ዘለዎ ግልጋሎት ትምህርቲ ምሃብ አድላዪ ከምዝኾነ ኣፅንኦት ሂቦም፡፡

ኢትዮጵያ ፅሬት ትምህርቲ ንምርግጋፅ ትኹት ሂባ እናሰርሐት ከምዝኾነት ዝገለፁ እቶም ሚኒትር÷ በዚ ድማ መንግስቲ ብሃገር ለኸ መርሃ ግብሪ ምግባ ተምሃሮ ልዕሊ 6 ሚሊየን ተምሃሮ እናመገበ ከምዝኾነ ፀሪሖም።

ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓማውቲ መንግስቲ ቁፅሪ ናይ ህዝቢ ኣዳሪ ኣቢያተ ትምህርቲን ኣቢያተ ትምህርቲ ርሕቐትን ብምዕባይን መካተቲን ፅሬት ዘለዎ ትምህርቲን ንኽውስኽ ከምዝገበረ እውን ኣብሪሆም፡፡

ኣፍሪካ ምስ ኣባል ሃገራ ጉጅለ 20 ኣብ ዝህልዋ ምትሕብባር ኢኮኖሚ እታ ኣህጉር ንምድንፋዕ ግደ ከምዝህልዎን ብተመሳሳሊ ኣፍሪካ ምስ ብሪክስ ብሓባር ምስራሓ ምትሕብባር ደቡብ ደቡብ ንምጥንኻር ዝሕግዝ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም፡፡

ኣጀንዳ 2063 ሓበራዊ ራኢ ምዕባለ ኣፍሪካውያን ከምዝኾነ ዝሓበሩ እቶም ሚኒስትር÷ እቲ ራኢ ንምዕዋት ጥንኩር ከምኡ እውን ፖለቲካዊ ቆራፅነት ኣድላዪ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment