ኢትዮጵያ ንዘጋጠማ ፀገም ምፍትሒኡ ምእላሽ ናይና ናይ ኢትዮጵያውያን ብፅሒት ኢዩ – ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ )”ኢትዮጵያ ንዘጋጠማ ፀገም ምፍትሒኡ ምእላሽ ናይና ናይ ኢትዮጵያውያን ብፅሒት ኢዩ ክብላ” ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ገሊፀን።

መበል 16 በዓል መለዓልቲ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ይኽበር ኣሎ፡፡

ኣብቲ በዓል ተረኺበን መደረ ዘስማዓ ፕሬዚዳናት ሳህለወርቅ ዘውዴ÷ ኣብ ህልውና ሃገር ዝመፅአ ፈተና ንምሕላፍ ኩሉ ዜጋ ዕሽሽ ክብል ከምዘይግበኦ ኣገንዚበን።

ሃገርን ሓድነትን ንምፍራስን ዝተገበረ ፈተነ ቀይሕ መስመር ዝሓለፈ ከምዝኾነ ዝሓበራ እተን ፕሬዚዳናት÷ እዚ ክሕደትን ሽፍትነትን ዝኾ ይኹን መንግስቲ ኮፍ ኢሉ ክዕዘቦ ከምዘይኽእል ተዛሪበን፡፡

“ሃገር ኣብ ሓደጋ እንትትወድቕ ዜጋታት ካብ ጫፍ ክሳብ ጫፍ ዝገበሩዎ ርብርብ ድማ ኣብ ፅኑዕ መሰረት ከምዝኾንና ኣርኢዩና ኢዩ፤ ተገዲድና ንዘኣተናዮ ኲናት ፅቡቕ ደጀን ከምዘሎ ተረዲእና ኢና” ኢለን፡፡

እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ጥራሕ ዝተወሰነ ከምዘይኮነ ዝገለፃ እተን ፕሬዚዳንት÷ ኣብ ወፃኢ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ከምኡ እውን ፈተውቲ ኢትዮጵያ ካብ ውሽጢንወፃን ዝመፅአ መጥቃዕቲ ንምክልኻል ኣብ ዝተወሰዱ ስጉምቲታትን ንዘንፀባረቑዎ ስምዒት ሓድነት፣ ደጀንነትን ንወገን ምሕጋዝን ምስጋና ኣቕሪበን፡፡

ትግባርኩምን ንሃገር ተሓላቕነትኩምን ንኹልና ኣኹሪዑና ኢዩ” ዝበላ እተን ፕሬዚዳናት÷ዝተሰሓሓተን ዘይተፃረየን ሓበሬታ ክንደይ ዝኣክል ከምዝጎድአና ርኢና ኢና ኢለን፡፡

“ብደገን ብውሽጢን ዝተኸፈተልና ፈተና ሓደ እንተኾይንና ሕዚ ከምዝረአናዮ ክንዋፀኦ ኢና፣ ኢትዮጵያ ልዕሊ ኩልና ኢያ፣ ንሓልዋ፣ ንከናኸና፣ ሃገር ዘፍርሱ ኩልና ብፅኑዕ ክንቃለሶም ይግባእ” ክብላ ፃውዒት ኣቕሪበን፡፡

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment