ኢትዮጵያ ንዘበናዊ ስርዓት ምሕደራ ፕሮጀክት መፈፀሚ ዝውዕል 70 ሚሊየን ዶላር ስምምዕነት ምስ ባንኪ ዓለም ተፈራሪማ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ንዘበናዊ ስርዓት ምሕደራ ፕሮጀክት መፈፀሚ ዝውዕል 70 ሚሊየን ዶላር ስምምዕነት ገንዘብ ምስ ባንኪ ዓለም ተፈራሪማ።

እቲ ገንዘብ ኣብ ነዊሕ እዋን ዝኽፈል እንትኸውን÷ ኣብ ኢትዮጵያ ስራሕቲ ምሕደራ ንምቅልጣፍን ንምዝማንን ከምዝውል ተገሊፁ።

እቲ ፕሮጀክ ፋይናንስ መንግስቲን ሓይሊ ሰብን ናይ ምትእኽኻብ ከምኡ እውን ናይ ምምሕዳር ዓቕሙ ንምዕባይ እናተወገኑ ዝርከቡ ስራሕቲ ንምድንፋዕ ከምዝሕግዝ ተገሊፁ።

እቲ ስምምዕነት ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሺዴን ኣብ ባንኪ ዓለም ናይ ኢትዮጵያ ዳይሬክተር ማርያም ሳሊምን ከምዝተፈራረሙዎ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment