ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥቅምቲ፣ 2017 (ዔፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ንዞባዊ ሰላምን ምርግጋእን ልዑል ዋጋ ከምዝኸፈለት ዳይሬክተር ተተካኢ ሓይሊ ምብራቕ ኣፍሪካ ብርጋዴር ጀነራል ፖውል ንጂማ ገሊፆም፡፡
ምስ ጥምረት ምኽባር ሰላም ኣህራዊና ዞባዊን ሓይሊን ትካልትን ብምዃን ሃገራት ፀኒዐን ንኽቕፅላን ዘላቒ ሰላም ንኽረጋገፅ እናሰርሐት ከምዝኾነት እውን እቶም ዳይሬክተር ኣልዒሎም፡፡
ብፍላይ ንሰላምን ምርግጋእን ዞባ ምብራቕ ኣፍሪካ ልዑል ዋጋ ከምዝኸፈለት ንግዜኢ ተዛሪቦም፡፡
ኣብዚ ሕዚ እዋን ሕድሕዳዊ ጎንፂ፣ ኣጠቓቕማ ሃፍቲ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝረአ ወጥሪ ነቲ ዞባ እናፈተኑዎ ካብ ሞንጎ ዝርከቡ ስግኣታት ፀፅታ ከምዝኾኑ እውን ዘርዚሮም።
ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ዘላቒ ሰላምን ምርግጋእን ንምምፃእ ኣብ ሞንጎ ኣባል ሃገራት ምውዳድን ምትሕብባርን ወሳኒ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም፡፡
ዋና አዛዚ ጥሙር ሓይሊ ማእኸላይ ኣፍሪካ ሜጀር ጀነራል ንዱውሙንሲ ኦዳስ ብግኦም÷ ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ግብረ ራዕዲ ብምውጋእን ሰላም ኣብ ምኅባርን ርኡይ ኣሰር ኣለዋ ኢሎም።