ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ እዋን ንኬንያ ኣብ መዓልቲ 200 ሜጋ ዋት ሓይሊ ኤሌክትሪክ እንቕረበት ምዃና ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡
ኣብ ኢትዮጵያ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮ-ኬንያ ብዓል 500 ኪሎ ቮልት ኮንቨርተር ጣቢያ ምብራቕ ኣፍሪካ ኣብ ሓይሊ ምትእስሳር ልዑል ግደ እናተዋፅአ ከምዝርከብ በዓል ሞያ ፅገናን ኦፕሬሽንን እቲ ጣብያ አይተ መኮንን ካሴ ተዛሪቦም፡፡
እቲ ጣቢያ ካብ ወላይታ ሰዶ ቁፅሪ ክልተ መከፋፈሊ ጣቢያ ኣብ ኣርባዕተ ብዓል 400 ኪሎ ቮልት ኣታዊ መስመራት ተቐቢሉ 12 ኮንቨርተር ትራንስፎርመራትን 1 ሺሕን 680 ታሪስተራትን ተጠቒሙ ሓይሊ ከምዘመሓላልፍ ኣመላኺቶም፡፡
2 ሺሕ ሜጋ ዋት ሓይሊ ምሽካም ዓቕሚ ኣብ ዘለዎም ክልተ ፓሎታት ካብ ኢትዮጵያ ክሳብ ኬንያ ብዝተዘርገሐ 1 ሺሕን 60 ኪሎ ሜትር መመሓላለፊ መስመር ሓይሊ እናመሓላለፈ ከምዝርከብ ተዛሪቦም፡፡
ምስ ኬንያ ብዘሎ ሓይሊ መሸጣ ስምምዕነት መሰረት ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ መዓልቲ 18 ሰዓታት ማለት እውን ክሳብ ምሸት ሽዱሽተ ሰዓት 200 ሜጋ ዋት ሓይሊ እናቐረበ ይርከብ ኢሎም፡፡
እቲ ጣቢያ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምዕባይ ዝተትሓዘ ፃዕሪ ንምድጋፍን ዓቕሚ ምጉልባትን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ስራሕቲታት እናተሰርሐ ከምዝርከብ ኣብቲ ትካል ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፡፡