ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ክሌማዊ ለውጢ ንምፅዋርን ንምክልኻልን እናወገነቶም ንዝርከቡ ፕሮጀክታት ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ሓገዝ ክገብር ከምዝግባእ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ ገሊፆም፡፡
እቲም ፕሬዚዳንት ኣብ ኣዘርባጃን ባኩ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ጉባኤ ክሌማዊ ለውጢ ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ኮፕ29) ኣብ ዝገበሩዎ መደረ፤ ኢትዮጵያ ኢኒሼቲቭ ሓምለዋይ ኣሰር ሓዊሱ ኣብ ጉዕዞ ሓለዋን ክንንክንን ሃፍቲ ተፈጥሮ ከምኡ እውን ትገብሮም ቀንዲ ቀንዲ ተግባራት ኣብሪሆም።
ከምዚ ዝበሉ ፃዕሪታት ንኅጉልብቱ ሓገዝ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ከምዘድሊ ምግላፆም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።