ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ሸቶታት ዘላቒ ልምዓት ንምዕዋት ዓሊማ ንእትሰርሖም ተግባራት ዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ከምዝድግፍ ውድብ ሕቡራት መንግስታት(ውሕመ) ኣፍሊጡ።
ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ዶክተር ፍፁም አሰፋ፥ ኣብ ኒዮርክ ምስ ዝሳለጥ ዘሎ ገምጋም ሸቶታት ዘላቒ ልምዓት ጎድኒ ንጎድኒ ምስ ምክትል ዋና ፀሓዊ እቲ ትካል ኣሚና መሓመድ ተዛቲየን።
እተን ሚኒስትር፥ ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለዩ ብድሆታት እንተኾነት እውን ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅ ዓሊማ እትሰርሖም ዘላ ኩለ መዳይ ተግባራት ብዝምልከት ኣብሪሀን።
ኢትዮጵያ ካብ ዘንፃላለውዋ ፈተናታት ንላዕሊ ትገዝፍ ዝበላ እተን ሚኒስትር፥ መንግስቲን ህዝብን ብሓባር ብምዃን ኣብ ዝፍፅምዎ ዝተዋደደ ስራሕቲ ምትሕብባር ናብ ምዕባለ ክትሸጋገር ኢያ ኢለን።
ምክትል ዋና ፀሓዊ ውሕመ ኣሚና መሓመድ ብግደአን፥ ውሕመ ኢትዮጵያ ሸቶታት ዘላቒ ልምዓት ንምዕዋት ዓሊማ ንእትሰርሖም ተግባራት ዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ከምዝድግፍ ምዝራበን ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።