ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ንተሳልጦም ተግባራት ለውጢ ውፅኢታዊ ንኽኾኑ ጀርመን ሓገዝ ከምትገብር ኣምባሳደር ጀርመን ኣብ ኢትዮጵያ ስቴፋን ኣሁርን ገሊፆም።
ሚኒስት ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ዶክተር ኤርጎጌ ተስፋዬ ምስቶም ኣምባሳደር ኣብ ክልተኣዊ ጉዳያት ክልቲአን ሃገራት ኣድሂቦም ተዛቲዮም፡፡
ዶክተር ኤርጎጌ ኣብ ዘተአን፥ እቲ ሚኒስቴር ቤት ዕዮ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብታ ሃገር ዘተኣማምን ሰላም ብምዕሳልን ሰላምን ልምዓትን ብምቅልጣፍ ደቂ ኣንስትዮ፣ መናእሰይን ዝተፈላለዩ ውዳበ ዘለዎም ብፅሒት ንምጉልባት ትኹት ገይሩ እናሰርሐ ከምዝርከብ ገሊፀን፡፡
ስለዝኾነ ድማ ከም ሃገር ዝግበር ኩለመዳይ ፃዕሪ መንግስቲ ጀርመን ገብሮ ሓገዝ ተፀናኺሩ ንኽቕፅል እተን ሚኒትር ሓቲተን፡፡
ኣምባሳደር ጀርመን ኣብ ኢትዮጵያ ስቴፋን ኣሁርን ብግደኦም፥ ኢትዮጵያ ንተሳልጦም ተግባራት ለውጢ ውፅኢታዊ ንኽኾኑ ጀርመን ሓገዝ ከምትገብር ገሊፆም።
ብምኽንያት ጦርነት ዝተጎድኡ ወገናት ዝወሃብ ሓገዝ ከምኡ እውን መንግስቲ ፀገማት ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ ከም ሃገር እናተኻየዱ ዝርከቡ ስራሕቲ ከምዝድግፉ ምሕባሮም ካብቲ ሚኒስቴር ዝርከብ ሓበሬታ የረድእ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com