ኢትዮጵያ ንበፃሕቲ ዓዲ ዝኾኑ ናይ ቱሪዝም ከባቢታታ ብኦንላይን ምፍላጥ ጀሚራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያ ንበፃሕቲ ዓዲ ዝኾኑ ናይ ቱሪዝም ከባቢታታ ብኦንላይን ምፍላጥ ምጅማራ ሚኒስቴር ባህሊን ቱሪዝምን ኣፍሊጡ።

ዘፈር ቱሪዝም ለበዳ ኮቪድ-19 ዘሕደረሉ ፅዕንቶ ዘንሳዕርረሉ ኣንፈት ብምቕማጥ ሰለስተ ቢሊየን ዶላር ንምርካብ ከምዝሃቀነ ዳይሬክተር ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን እቲ ሚኒስቴር ኣይተ እንደገና ደሳለኝ ንግዜኢ ገሊፆም።

ኣብቲ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት ኮቪድ-19 ኣብ ኢትዮጵያ ብዘስዓቦ ቅልውላው ካብቲ ዓውዲ ንምርካብ ካብ ዝተሓሰበ መጠን ክልተ ኢድ ጥራሕ ከምዝተረኸበ እውን እቶም ዳይሬክተር ተዛሪቦም።

ኣብ ዝሓለፈ በጀት ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ክገብሩ ኢዮም ተባሂሎም ካብ ውሽጢ ዝተሓሰቡ ልዕሊ ሓደ ሚሊየን ናይ ወፃኢ በፃሕቲ ዓዲ 541 ሺሕ ሰባት ጥራሕ ኢዮም ክመፅኡ ክኢሎም።

ቁፅሪ ናይቶም በፃሕቲ ብልዑል ብርኪ ካብ ምንካዩ ብተወሳኺ ፃንሒቶም ኣሕፂሮም ናብ ዝመፅኡሉ ዓዲ ንኽምለሱ ከምዝተገደዱ እውን ኣይተ እንደገና ኣብሪሆም።

ናብ ኢትዮጵያ ንምምፃእ ምዝገባ ሆቴልን መሰል ነገራትን ዝዛዘሙ በፃሕቲ ብምኽንያት እቲ ለበዳ ኣብ ዘለዉዎ ንኽፀንሑ ተገዲዶም ኢዮም ኢሎም።

ኣብዚ በጀት ዓመት 2 ነጥቢ 71 ቢሊየን ዶላር ካብ በፃሕቲ ከምዝተረኸበ ድማ ገሊፆም።

ኣብ ውሽጢ ዓዲ ብዓውዲ ቱሪዝም ዝመሓደሩ ትካላትን ውልቀ ሰባትን ንምሕጋዝ መንግስቲ ልዕሊ ብር 3 ነጥቢ 3 ቢሊየን ካብ ወለድ ናፃ ልቓሕ ከምዝሃበ እውን ኣገንዚቦም።

ኣይተ እንደገና ኣብቲ ዝቕፅል በጀት ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ካብ ዝገብሩ 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ናይ ወፃኢ ዓዲ በፃሕቲ ልዕሊ 3 ቢሊየን ዶላር ኣሜሪካ ንምርካብ ከምዝተሃቀነ ኣፍሊጦም።

መፅሄት ፎርብስ ድሕሪ ኮሮና ክብፅሑ ካብ ሞንጎ ዝግብኡ 10 ሃገራት ዓለም፥ ንኢትዮጵያ ኣብ መበል ሻውዓይ ደረጃ ከምዝሰርዓ ይዝከር።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment