ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያ ንቀይሕ ባሕሪ ክትብል ኤርትራ ናይ ምውራር ድልየት ከምዘይብላ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡
ድልየት ኢትዮጵያ ንዘራረብ ፣ መሪሕ ሂብካ ምቕባል ፣ ሕዝብታት ብዝርብሕሉ መርሕ ንዛተ ብዝብል እዩ ክብሉ ገሊፆም፡፡
ህዝቢ ኤርትራ ዘድልዮ ልምዓት እዩ፣ ተሓባቢርና ምልምዕን ምስራሕን እምበር ሓዲኡ ንሓዲኡ ምውጋእ ትልምና ኣይኮንን ኢሎም፡፡
ኣብ ኢትዮጵያ ዝኾነ ሃገር ወራር ክፍፅምን ካብ ዝጀመርናዩ ሕልሚ ደው ከብለና ይክእል እዩ ዝብል ስግኣት የብልናን ክብሉ ተዛሪቦም፡፡
እኹል ምድላው ስለዘለና ማንም ደው ከብለና ኣይኽእልንን÷እንገብሮ ምድላዋት ኹናት ደው ንምባል እዩ ክብሉ ወሲኾም ሓቢሮም፡፡
ሕቶ በሪ ባሕሪ ምልዓል ነውርነቱ ሓሊፉ እዩ ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር)÷ ቕዋም ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ እውን ዓባይ ሃገር ኮይና በሪ ባሕሪ ዘይብላ ሃገር የላን ስለዚ ብመሪሕ ሂብካ ምቕባል ክከውን ይግባእ ክብሉ ገሊፆም፡፡
ኢትዮጵያ ሕቶ በሪ ባሕሪ ኣጀንዳ ንምሃብ ዝመፀ ዘይኮነስ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ጠመተ ዝተውሃበን ኣብ መፅሓፍ መደመር እውን ዝኣተወ እዩ ኢሎም፡፡