ኢትዮጵያ ንሰላም ዝዘርገሐቶ ኢድ ኣብ ግንዛበ ዘየእተወ ናይ ኣሜሪካ ውሳነ ሓሳብ ኤች ኣር 6600 ተቐባልነት የብሉን – ኣባላት ዳያስፖራ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 8 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያ ንሰላም ዝዘርገሐቶ ኢድ ኣብ ግንዛበ ዘየእተወ ናይ ኣሜሪካ ውሳነ ሓሳብ ኤች ኣር 6600 ተቐባልነት የብሉን ክብሉ ኣብ ኣሜሪካ ዝነብሩ ትውልደ ኢትዮጵያውያን ኣባላት ዳያስፖራ ገሊፆም።

ኣብ ዋሸንግተን ዲሲ ዝነብሩ ኣይተ ካሌብ ኣማረ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፁዎ፥ እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዘመሓላለፎ ውሳነ ኣብ ኢትዮጵያ ህንፀት ሰላምን ዴሞክራሲን ንምድጋፍ ዝብል ስም ዝተውሃቦ ይኹን እምበር ንዝኸፍአ ፀገም ዝዳርግ ኢዩ፡፡

ኤች አር 6600 ንኢትዮጵያ ዘዳኽምን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ተወሳኺ ዘይምርግጋዕ ንኽፍጠር ዝገብር፣ ኣብ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ተሓተትቲ ዝበሃሉ ውልቀ ሰባት ማዕቐብ ምንባር፣ ኣሜሪካ ንኢትዮጵያ ሓገዝ ከይትገብር ምቁራፅን ካብ ካልኦት ዓለም ለኸ ትካላት ፋይናንስ ሓገዝን ልቓሕን ከይትረክብ ክልከላ ንኽግበር፣ ከምኡ እውን ምንቅስቓሳት ኢንቨስትመንት ንምግዳብ ዝተዳለወ ረቂቕ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

እቲ ውሳነ ሓሳብ ተግባራዊ ከይኸውን ኣብ ወፃኢ ምስ ዝነብሩ ካልኦት ኢትዮጵያውያን ዳያስፖራታት ብምዃን ንቤት ዕዮ ሚኒስቴር ወፃኢ ኣሜሪካ ክሳብ ምዝርራብ ዝበፅሕ ፃዕሪ እናተገበረ ከምዝኾነ ኣይተ ካሌብ ገሊፆም፡፡

ኢትዮጵያ ዘንፀላለዉዋ ፈተናታት ብዝተሓባበረ ቅልፅም ደቃ ተዋፂኣ ኣብዚ በፂሓ ኣላ ዝበሉ ኣይተ ካሌብ፥ ኣብ ቀፃሊ እውን ዘጋጥሙ ፈተናታት ንምክልኻል ብመንፈስ ሓድነት ጠጠው ምባል ይግባእ ኢሎም።

ብኣፈወርቅ ኣለሙ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment